ልዕሊ 2 ሺሕ መናእሰይ ከተማ መቐለ ተግባራዊ ስልጠና ፈጠራ ዕድል ስራሕ  ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 2 ሺሕ መናእሰይ ከተማ መቐለ ናብ ተግባራዊ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ንምእታው ተግባራዊ ስልጠና ጀሚሮም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ቐፃሊ ተስፋ ትግራይ ንምግሃድ ግደ መናእሰይ ልዑል ከምኾነ ተዛሪቦም።

ነዚ ብምርዳእ ቐፃላይ ዳግም ህውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ንመናእሰይ ትኹረት ብምሃብ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም።

ቢሮ ቴክኒክ፣ ሞያ፣ ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ፌዴራል ብምትሕብባር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ መድረኽ ምኽክር ስልጠና ፈጠራ ዕዱል ስራሕ መናእሰይ እዩ።

ተስፋ ዘይብሉ መንእሰይ ዝሓዘት ዓዲ ቐፃልነት ዘለዎ ዕብየት ክተረጋግፅ ኣይትኽእልን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥  ከም ትግራይ ዝነበረና ሃፍቲ ዋላ እንተባደመ ዘለና ውሱን ሃፍቲ ብምጥቃምን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምርድዳእን ቐፃልነት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሞያዊ ስልጠናታት ብምሃብ መናእሰይ ናብ ስራሕ ብምእታው መፍረይቲ ዝኾንሉ ኩነታት ክንፈጥር ኢና ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ንዘሎ መጠነ ሰፊሕ ስራሕ ስእነት ተዋዲድና ክንቐርፎ ይግባእ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ሚኒስትር ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ወይዘሮ ሙፍርያት ካሚል፥ ኣብ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ኲናት ኣብ መናእሰይ ብዙሕ ጉድኣት በፂሑ እዩ ኢለን።

ሕዚ ዘድሊ ሙሉእ ዓቕምና ኣብ ስራሕቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ብትኹረት ምስራሕ እዩ ክብላ ኣገንዚበን።

እዙይ ዘመን ዝጠልቦም ሞያታት ብምስዓብ ንመናእሰይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ብምትእትታው ክንሰርሕ ኢና ብምባል፥ ሕዚ ከም ጅማሮ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ሸውዓቲአን ክፍላተ ከተማ ዝተመልመሉ 2 ሺሕ መናእሰይ ንሕድሕድ ፈጣሪ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ብር 50 ሽሕ ብምሃብ እዩ ኢለን።

ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መውሀቢ ስልጠና ብቐፃልነት ከምዝስፋሕፋሕ እውን ተዛሪበን።

ኣብ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ኹይናት ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝነበራ 3000 ኢንተርፕራይዛት መሊስኻ ናብ ስራሕቲ ንምእታው ብር 2 ነጥቢ 5  ሚልየን ብምምዳብ ናብ ስራሕቲ ንክኣትያ ንሰርሕ ኣለና ኢለን።

ብኻልእ ወገን ልዕሊ 65 ሽሕ ብር ዝግመቱ ዝተፈላለዩ ናውትታት ንቴክኒክን ሞያን ተመዲቡ ኣሎ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ትግራይ ዝረእ ዘሎ ዘይሕጋዊ ፍልሰት መናእሰይ ጠጠው ክብል ከምዝግባእን ከም መንግስቲ መናእሰይ ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ንክልወጡ ኣብ ዝግበር ምርብራብ ኣድላይ ስራሕቲ ከምዘመቻችውን ምብረሀን ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment