ልዕሊ 195 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን  ጉምሩክ ካብ 11 ጥቅምቲ ክሳብ 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ብዝተገበረ ክትትል  ልዕሊ 195 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተተሓዙ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኮሚሽን 143 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ኣታዊ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ልዕሊ 52 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈራት ቤት ፅሕፈት ከምዝተታሓዙ ኣብሪሁ፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብሰራሕተኛታት ኮሚሽን  ጉምሩክ ፤ብፖሊስ ፌደራል ፤ ብኣባላት ፖሊስ ክልልን ብሕብረተሰብ ብዝተገበረ ሓባራዊ ምርብራብ ብተፍትሽን ብርበራን ኢሉውን ብጥቆማ ዝተትሓዙ እንትኸውን ነቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከዘዋውሩ ዝፀንሑ 11 ውልቀ ሰባትን 36 ኣሽከርከርትን ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝዋዓሉ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ካብ ዝዋዓሉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክዳውንቲ፤ ነዳዲ፤ እንሰሳት፤ ኤሌክትሮኒክስ፤ ቡን፤ መድሓኒት ፤ ተሸከርከርቲ ፤ኣቑሑት መመላኻኸዒ ፤ኣፅዋራት ኩናት ፤ ጫት ፤መዐወኒ ሓሺሽ ፤ዘይቲ ብልዒን ገንዘብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን እዮም፡፡

ኣብ ምቁፅፃር ኣታዊ ኮንትሮባንድ ቀዳምነት ዝሓዙ ትካላት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ፤ኣቃቂ ቃሊቲን ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ሞያሌን ከምዝኾኑ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment