ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ወርቂ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንምውፃእ እንትፍትን ተታሒዙ ኣብ ዝተብሃለ ቻይናዊ ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍቓድ ዘይብሉ ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ዘውፅእ 3 ነጥቢ 8 ኪሎ ግራም ጥፍጣፍ ወርቂ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንምውፃእ እንትፍትን ተታሒዙ ኣብ ዝተብሃለ ቻይናዊ ክሲ ተመስሪቱ።

ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ፌዴሪኢ ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ዘፈር ዓቃቢ ሕጊን ገበን ኢኮኖሚን÷ ፍቓድ ዘይብሉ እናሃለወ ጥፍጣፍ ወርቂን ኮፐር፣ ዚንክን ሲልቨርን ዝሓዘ 2 ኪሎ ግራም ዝምዘን መዓድን ብዘይሕጋዊ መገዲ ሒዙ ንምውፃእ እንትፍትን ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብገበን ተጠርጢሩ ኣብ ዝተትሓዘ ቻይናዊ ክሲ ገበን ኮንትሮባንድ ተመስሪቱዎ፡፡

መዝገብ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ከምዘመላኽቶ÷ ፓን ችዋን ዝተባህለ ቻይናዊ ተኸሳሲ ገደብ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ እናፈለጠ (ክፈልጥ እናተገበኦ) ፍቓድ መረጋገፂ ብቕዓት ዘይብሉ እቶም መዓድናት ካብ ሃገር ሒዙ ክወፅእ እንትብል ከምዝተትሓዘ ተመልኪቱ፡፡

ግምታዊ ዋግኡ 18 ሚሊየን 5 ሺሕ 939 ብር ዘውፅእ ቀረፅን ታክስን 12 ሚሊየን 824 ሺሕን 53 ብር ዝኽፈሎ 3 ነጥቢ 8 ኪሎ ግራም ጥፍጣፍ ወርቂን 2 ሺሕን 196 ብር ቀረፅን ታክስን ዝኽፈሎ ኣብ ውሽጡ ኮፐር፣ ዚንክን ሲልቨርን ዝኻዘ 2 ኪሎ ግራም ዝምዘን መዓድን÷ ኣብ ሻንጣ ሓፂን ኣእቲዩ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ሒዙ ንምጉዓዝ እንትፍትን 16 ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ መፈተሺ ድሕንነት ኤክስረይ ናይ ወፃኢ መንገደኞች ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ፡፡

ብምዃኑ ብዝፈፀሞ ገደብ ዝተገበረሉ ኣቕሓ ብዘይሕጋዊ መገዲ ሒዝካ ምውፃእ፤ ኣዋጅ ገበን ኮንትሮባንድ ዕድጊት መዓድን ቁፅሪ 1144/2011 ዓንቀፅ 12/1/፣ 5፣ ን 36/1/ ከምኡ እውን ኣዋጅ ጉምሩኽ ቁጥሪ 859/2006 (መመሓየሺ ኣዋጅ ጉሙሩኽ ቁፅሪ 1160/2011 ዓንቀፅ 2/44/ ኣብ ትሕቲ ዝተመሓየሸ) ዓንቀፅ 168/1/ ዝተደንገገ ተመሓላሊፉ ብዝብል ክሲ ገበን ኮንትሮባንድ ቀሪቡዎ፡፡

እቲ ጉዳይ ዝቐረበሉ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 5ይ ገበን መጋባእያ÷ ተኸሳሲ ዝተኸሰሰሉ ክሲ ንምስማዕ ን28 ለካቲት 2015 ዓ.ም ቆፀሮ ምሃቡ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment