ልዕሊ 171 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዘለዎ ናውቲ ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 171 ሚሊየን ብር ኣታዊን ወፃኢን ግምታዊ ዘለዎ ናውቲ ኮንትሮባንድ ከምዝተታሓዘ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘሕለፍናዮ ሰሙን ብዝተገበረ ክትትል 166 ሚሊየን 194 ሺህ ብር ኣታዊ ናውትታት ኮንትሮባንድን  5 ሚሊየን 226 ሺሕ ብር ትልሚ ዘለዎ ወፃኢ ናውትታት ኮንትሮባንድ ብዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ከምዝተታሓዙ ኣፍሊጡ።

ኣታዊ ኮንትሮባንድ ብምቁፅፃር ግደ ዓብዪ ቦታ ዝሓዙ ድማ ኤርፖርት ኣስ ኣበባ፤ ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ሞያሌን ኮምቦልቻን እንትኾን፤ብደረጃ ድማ ልዕሊ 28 ነጥቢ 2 ሚሊየን፣23 ነጥቢ 6 ሚሊየንን 22 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዘውፅእ  ናውትታት ኮንትሮባንድ ክሕዙ ከምዝኸኣሉ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

ንቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከዘዋውሩ  ዝነበሩ 8 ሰባት እውን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ካብቶም ዝተተሓዙ ድማ ክዳውንቲ፤ ነዳዲ፤ ኤሌክትሮኒክስ፤እንስሳት፤ ጫት፤መፀባበቒ ኣቑሑትን ካልኦትን ይርከብዎ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment