ልዕሊ 163 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 15 ክሳብ 21 መጋቢት 2015 ዓ.ም ብዝተገበረ ክትትል ልዕሊ 163 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

109 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኣተውቲን 52 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ወፃእቲ ኣቑሑትን ኢዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ተታሒዞም ዘለዉ፡፡

ኣጠውቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ምቁፅፃር÷ ጨንፈራት ኣዋሽ፣ ሞያሌን ድሬዳዋን ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሕዙ ካብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት፥ ክዳውንቲ፣ ነዳዲ፣ ቀወምቲ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ተሽከርከርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐን ጦር መሳርሒታትን፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሺሻት፣ ዘይቲ ብልዒን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራ ገንዘብን ይርከቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment