ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 156 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተታሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ኮሚሽን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብዝተፈላለዩ ገዛውቲ ጨንፈራት ቤት ፅሕፈታት ብዘበገበሮ ክትትል 60 ነጥቢ 4 ሚሊዮን እታዎት ኣቑሑት ኮንትሮባንድን 96 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ብር ዘውጽኡ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም፡፡
እታወት ኮንትሮባንድ ኣብ ምቁፅፃር ዓብዪ ግደ ዘለዎም ጨንፈራት ኣቢያተ ፅሕፈት ኣቃቂ ቃሊቲ፣ ጅግጅጋን ድሬድዋ እንትኾኑ ልዕሊ 18 ነጥቢ5 ሚሊየን፤ 14 ነጥ 2 ን 6 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ከምዝተተሓዙ እውን ተመላኺቱ፡፡
ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ÷ ክዳውንቲ፣ ነዳዲ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ እንስሳት፤ መድሓኒት፤ ተሸከርከርቲ፤ ናውትታት ፅባቐ፣ መሳርሒ ኵናት፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሺሽ፣ ዘይቲ ብልዒን ገንዘብ ካልኦት ሃገራትን ከምዝርከቡዎም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኀብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡