ልዕሊ 15 ሚሊየን ብር ዝግመት ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉራጌ ከተማ ቡታጅራ ልዕሊ 15 ሚሊየን ብር ዝግመት ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ፖሊስ ከተማ ቡታጅራ ምስ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ብዝገበሩዎ ዝተዋደደ ክትትል ኢዩ ተታሒዙ፡፡

ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ም/ኢንስፔክተር ሙሰማ ጀማል ከምዝበሉዎ÷ መበገሲኡ ሻኪሶ ደንቢዶሎ ዝገበረት ኤፍ ኤስ ኣር ተሽከርካሪት ብወላይታ ሶዶ ሃላባ ኣቢላ ብምቁፅ ናብ ዝዋይ ንምእታው ኣብ ጉዕዞ እናሃለወት ኣብ ከተማ ቡታጅራ ክትተሓዝ ክኢላ፡፡

እታ ተሽከርካሪት ንዘይሕጋዊ ዝውውር ኮንትሮባንድ ብዝምቹ መልክዑ ካብ ፋብሪካኣ ስራሕ ወፃእ ተወሳኺ ሕቡእን ምስጢራዊን መሸጎጢ ዝተሰርሐላ ከምዝኾነት ሓቢሮም፡፡

ኣብ መሸጎጢ እታ ተሽከርካሪት 4 ሺሕን 282 ሞባይል ስልኪታት ከምዝተረኸቡ እውን ሓበሬታ ፖሊስ ክልል ማእሐላይ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment