ልዕሊ 124 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 124 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ።

ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮትሮባንድ 101 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዝኣተውን 22 ነጥቢ 7 ሚሊየንዝወፅኡን ኣቑሑት ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ክዳውንቲ፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ተሽከርከርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐን ጦር መሳርሒታትን፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሺሽ፣ ዘይቲ ብልዒን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘባትን ይርከቡዎም፡፡

ኣተውቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ምቁፅፃር ቀዳማይ ቦታ ዝሕዙ ድማ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ሃዋሳ፣ ኣዳማን ሞያሌን ኢዮም፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ብፍተሻ፣ ብበረራና ብሓበሬታን ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ ካብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ 18 ውልቀ ሰባትን ሽዱሽተ ተሽከርከርቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ተባሂሉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment