ልዕሊ 110 ሚሊየን ብር ግምት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 110 ሚሊዮን ብር ግምት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ናይ ዝተፈላለዩ ገንዘብ ሃገራት ወፃእን ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝወዓለ ኮሚሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከዘዋውሩ ዝተረኸቡ ትሽዓንተ ሰባት እውን ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ኮሚሽን ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 5 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ክትትል 90 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ብር ካብ ኣታዊ ኮንትሮባንድን 19 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ብር ድማ ካብ ወፃእን ብሓፈሻ  110 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈራት ቤት ፅሕፈት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ኣውዒሉ፡፡

ካብ መንጎ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ዝወዓሉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክዳውንቲ፣ ዝተፈላለዩ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ተሸከርከርት፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ ጫት፣ ዘይቲ ምግብን ናይ ዝተፈላለዩ ገንዘብ ሃገራት ወፃእን ይርከብዎ፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብሰራሕተኛታት ኮሚሽን ጉምሩክን ብፖሊስ ፌደራልን ብዝገብርዎ ሓበራዊ ፃዕሪ ተፍትሽ ከምዝተተሓዘ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment