ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎመወ ንስራሕቲ መገዲ ባቡር ዝውዕሉ ናውቲ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎመወ ንስራሕቲ መገዲ ባቡር ዝውዕሉ ናውቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ሸዋሮቢት ኣፍሊጡ።

ዝምለልከቶም መንግስታት ፌዴራልን ክልልን እቶም ናውቲ ብግቡእ ክሕልዉ ብዘይምኽሎም ኣብቲ ከባቢ ንዝፍጠሩ ጎንፂታት ምኽንያት ከምዝኾኑዎ እውን ፖሊስ ገሊፁ፡፡

ሓላፊ ምርመራ ክፍሊ ገበን ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እቲ ምምሕዳር ሓጋዚ ኢንስፔክተር መስፍን ብርሃኑ÷ ካብ ወልዲያ – ሃራ ገበያ- ኮምቦልቻ ዝተዘርገሐ ስራሕ መገዲ ባቡር ብምኽንያት ኲናት ስርሑ ከምዝተቛረፀ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስራሕ ብላዕለዋይነት እናሳለጠ ዝነበረ ትካል ቱርኪ ዝኾነ ያፒ መርከዚ የባቡር ሓዊሱ ነቲ ፕሮጀክት ዝመርሑ ኣካላት ፌዴራል ነቲ ንብረት ብግቡእ ብዘይምእካቦም ንዘረፋን ብኽነትን ተቓሊዑ ኢዩ፡፡

ዘረፍቲ ብሸዋሮቢት ኣቋሪፆም ክወፅኡ ክብሉ ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ቀላጭ፣ ናይ ዓበይቲ ተሸከርከርቲ ሞተራት፣ ሓፃዊን ሃዲድ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ተዛሪቦም፡፡

ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ነቲ ጉዳይ ቅልጡፍ መፍትሒ ክህቡ ከምዝግባእ እውን ሓቲቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment