ልዕሊ 10 ሚሊየን ዶላር ዘውፅኡ ፍርያታት ናብ ወፃኢ ምልኣኹ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ተሃኒፆም ናብ ስራሕ ካብ ዘኣተዉ 13 ኢንዱስትሪ ፓርክታት ልዕሊ 10 ሚሊየን ዶላር ዘውፅኡ ፍርያታት ናብ ወፃኢ ምልኣኹ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ መምርሒ ማርኬቲንግን ኮሙዩኒኬሽንን እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ በሃይሉ ከበደ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘፍረዩዎ ፍርያት ናብ ወፃኢ ብምልኣኽን ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ዝተውሃቦም ልኡኽቶ ሸርፊ ወፃኢ ምምፃእ ከዕውቱ ክኢሎም።

ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝፈርዩ ክዳውንቲን ካልኦት ፍርያታትን ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ተባሂሎም ብትእዛዝ ከምዝፈርዩን ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ኣብ ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከቡ ሸመትቲ እውን ብዛዕባ ፅሬቶም ከምዝመስከሩ ገሊፆም።

ኣብ 13ኦም ፓርክታት ኢንዱስትሪ ልዕሊ 89 ሺሕ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ እውን ኣይተ በሃይሉ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment