ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ገንዘብ ካብ ምዝበራ ምድሓን ከምዝተኻእለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ገንዘብ ካብ ምዝበራ ምድሓን ከምዝተኻእለ ኮሚሽን ስነ- ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ኣፍሊጡ።

መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ህፁፅ ምክልኻል ግዕዝይና እቲ ኮሚሽን ገዛሀኝ ጋሻው÷ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ህፁፅ ተግባር ምክልኻል ግዕዝይና ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

“በዚ ድማ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ብብርኪ ሃገር 231 ስራሕቲ ህፁፅ ምክልኻል ግዕዝይና ተሰሪሖም” ኢሎም።

ኣብ ተግባር ምክልኻል ልዕሊ ሓደ ቢሊየን ብር ገንዘብን ልዕሊ 21 ሚሊየን ካሬ ሜትሮ መሬት ገፀርን ከተማን ካብ ምምዝባር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

ምስ ስራሕ ህፁፅ ምክልኻል ግዕዝይና ኣብቲ ምዝበራ ርክብ ዘለዎም ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር እናተሰርሕ ከምዝኾነ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment