ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ጉቦ ዝተቐበሉ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ሊዝ መሬት ኢድ ብኢድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ጉቦ ዝተቐበሉ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ሊዝ መሬት ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ጉዳይ ንምፍፃም 1 ሚሊየንን 400 ሺሕን ብር ጉቦ ዝተቐበሉ ክልተ ሰራሕተኛታትን ተሓባባሪኦምን፥ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ብዝገበርዎ ዝተዋደደ ስራሕ ኢዮም ተታሒዞም።

ኣብ መምርሒ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ ምክትል ዳይሬክተር ምርመራ ገበንን ሓደጋ ትራፊክን  ኮማንደር መስፍን በላቸው፥  ውልቀ ተበዳሊ 3 ሓምለ 2015 ዓ.ም ብሊዝ ዝዓደግዎ ቦታ ንምርካብ እንትመላለሱ ድሕሪ ምፅናሕ  ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ግቡእ ኣገልግሎት ኣብ ክንዲ ምሃብ ቆፀሮ ብምብዛሕ ከምዘመላለስዎም ሓቢሮም።

እቲ ጉዳይ ንምፍፃም ድማ ገንዘብ ከምዝተሓተቱ እቶም ተበዳሊ ከምዝተዛረቡ ተገሊፁ።

እቶም ተጠርጠርቲ 3 ሚሊየን ብር ሓቲቶም ከምዝነበሩ ብምግላፅ፥ ኣብ መወዳእታ ግን 1 ሚሊየንን 500 ሺሕን ብር ከምዝወረዱ ሓቢሮም።

ካብዚ እቲ 1 ሚሊየንን 200 ሺሕን ናብ ሓፍቲ ተጠርጣሪ በዓል ሞያ ባንኪ ሒሳብ ክኣቱ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ካብ ተበዳሊ ብዝቐረበ ሓበሬታ ፖሊስ ብመሰረት ዝገበሮ ክትትል  200 ሺሕ ብር ብጥረ ገንዘብ ክቕበሉ ኢድ ብኢድ ብምሓዝ ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment