ልዕሊ ብር 4 ሚሊየን ዝግመት መዐወኒ ሓሽሽ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ ብር 4 ሚሊየንን 485 ሺሕ ዝግመት መዐወኒ ሓሽሽ ከምዝተትሓዘ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

እቲ መዐወኒ ሓሽሽ፥ ኣብ ተሸከርካሪት ተፃዒኑ ካብ ሻሸመኔ ናብ ኬንያ እናተጓዓዓዘ እንተሎ ቤት ፅሕፈት ጣቢያ ጉምሩክ ጨንፈር ሃዋሳ ጥሒሱ ንምሕላፍ እንትፍትን ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

እቲ ገናሒ መኪና ንፍተሻ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑን ብዘይምትሕብባሩን፥ በዓል ተራ ፖሊስ ፌዴራል ንጎማ እታ ተሸከርካሪት ብጥይት ብምውቃዕ ኣብ ትሕቲ ቂፅፅር ክውዕል ከምዝተገብረ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተትሓዘ መዐወኒ ሓሺሽ፥ ብኣግባቡ ንኽውገድ ንዝምልከቶ ኣካል ኣታዊ ምግባሩ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

 

Comments (0)
Add Comment