ልዕሊ ብር 16 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልቲታት ልዕሊ ብር 16 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

እቶም ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ናይ ሓሶት ቁፅሪ ሰሌዳ ዝለጠፋ ሰስተ ተሸከርከርቲ፣ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፣ ኣፋውስ፣ ፅሬቶም ዘይተረጋገፁ ክሬማት ገፅ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቅሽር ቡና፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምግቢ፣ መዐወኒ ዕፅን ሓሺሽን፣ ሺጋራን ዝተፈላለየ ዓይነት ሓፂነ መፂንን ኢዮም።

ኣብ ጉምሩክ ላጋር ድሬዳዋ፣ ጉምሩክ ቃሊቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ጅግጅጋ፣ ሃረሪ፣ ኣዋሽ፣ ኮምቦልቻ፣ ወልዲያ፣ ባቲን ካልኦት ኬላታትን ዝተትሓዙ ኣቑሑት እንትኾኑ፥ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ክኣትዉን ክወፅኡን ክብሉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ምዃኖም ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment