ልዑል ሓይሊ ተጠቀምቲ ዓማዊል ቅየራ ስማርት ቆፀርቲ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብብርኪ ሃገር እናተሳለጠ ዝፀንሐ ልዑል ሓይሊ ናይ ዝጥቀሙ ዓማዊል ቅየራ ስማርት ቆፀርቲ ከምዝተዛዘመ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ትካል ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ዕግበት ዓማዊል ንምድንፋዕ ተግባራዊ እናገበረ ኣብ ዝርከብ ፕሮጀክት ኣድቫንስድ ሜትሪንግ ኢንፍራስትራክቸር ን39 ሺሕን 463 ልዑል ሓይሊ ተጠቀምቲ ዓማዊል ቅየራ ስማርት ቆፀርቲ ኣካይዱ፡፡

መጋቢት 2014 ዓ.ም ዝተጀመረ እቲ ፕሮጀክት ብብርኪ ሃገር 50 ሺሕ ንዝኾኑ ኣብ ሰዓት ልዕሊ 24 ኪሎ ዋት ጉልበት ንዝጥቀሙ ዓማዊል ነባር ቆፀርቲ ኤሌክትሪክ ብስማርት ሜትር ንምቕያር ብምሕሳብ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ይፍለጥ፡፡

በዚ ድማ ብክልተ ምዕራፍ ስራሕቲ ቅየራ እናካየደ ከምዝፀንሐ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ምትግባር እቲ ፕሮጀክት 5 ሺሕ ነባር ቆፀርቲ ብስማርት ሜትር ዝተቐየሩ እንትኾኑ÷ ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ 34 ሺሕን 463 ቆፀርቲ ምቕያር ተኻኢሉ ኢሉ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ልዑል ሓይሊ ዝጥቀሙ ዓማዊል 39 ሺሕን 463 ጥራሕ ስለዝኾኑ ናይ ኩሎም ዓማዊል ሙሉእ ብሙሉእ ተቐይሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

Comments (0)
Add Comment