ልኡኽ ክልል ሶማሌ ኣብ ናይሮቢ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሓላፊ ቢሮ ኢንቨስትመንትን ጉዳያት ዳያስፖራን ክልል ሶማሌ ኣይተ ኣብዱልሰላም ዩሱፍ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ክልል ሶማሌ ኣብ ናይሮቢ ዑደት ይገብር ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ኣብ ኤምባሲ ኢትጵያ ተረኺቡ ኣብ ናይሮቢ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል ተዛቲዩ።

ኣብቲ ዝተ ዝተረኸቡ ምክትል ሓላፊ እቲ ኤምባሳ ኣምባሳደር ሲራጅ ረሺድ፥ ተወለድቲ ክልል ሶማሌ ምስቲ ኤምባሲ ተቐራሪቦም ብምስራሕ ኣብ ልምዓት ሃገር ልዑል ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ተግባር ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ዘቕረቡ እቶም ምክትል ሓላፊ፥ ንዝተገበረ ተሳትፎ ምምስጋኖም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment