ልኡኽ ኩባኒያ ኤሌክትሪክ ሱዳን ናብ ኣደስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣማኻሪ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቴክኒክ ኩባኒያ ኤሌክትሪክ ሱዳን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝህሉ ምትእስሳር ሓይሊ ምስ ሓለፍቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ንምድርዳር ናብ ኣደስ ኣበባ ኣቲዩ።

ብኣህመድ ኣደም ዑመር ዘዝተመርሐ እቲ ልኡኽ፥ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ዳይሬክተር መምርሒ ስትራቴጂን ኢንቨስትመንትንሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ወንድወሰን ተሾመ ኣቀባብላ ተገይሩሉ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ ዘሎ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ሓይሊ ንምጥንኻር እናተሰርሑ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ድርድር ንምግባር ከምዝኾነ ኣይተ ወንድሙ ገሊፆም፡፡

ከዚህ በፊት የኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ኃይል የሥራ ኃላፊዎች በካርቱም በመገኘት ከኩባንያው የሥራ ኃላፊዎች ጋር መደራደራቸውን አስታውሰዋል

ቅድሚ ሕዚ ልኡኽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ተረኺቦም ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ተደራዲሮም ክዝነበሩን እቲ ናይ ሕዚ ድርድር ዝበፅሉ ብርኪ ንምግምጋምን ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ድርድር ኩባኒያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሱዳን ተወሳኺ 1 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ካብ ኢትዮጵያ ንምግዛእ ብዘቕረቦ ሕቶ ከምኡ እውን ተወሳኺ ሓይሊ ንምቕራብ ክሳለጥ ኣብ ዝግበኦ ህንፀት ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክን ጣቢያ መከፋፈሊን ትኹት ተገይሩ ከምዝዝተ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡

እቲ ድርድር ካብ 1 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ መዓልቲታት ከምዝካየድ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment