ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስቴር ገንዘብን ኣሜሪካ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ሓጋዚት ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ሞሊ ፊን ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብን ኣሜሪካ ሓጋዚት ሚኒስትር ዓለም ለኸ ጉዳያት ብረንት ኒማንን ተዛቲዩ፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘዕባ ዘሎ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ኩነታት ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ መንግስቲ ጠሚቶም መብርሂ ሂቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ሓበራዊ ማዕቐፍ ምስራዝ ዕዳ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ድርድር ንምግባር ትገብሮ ፃዕሪ መሓዙት ልምዓት ዝገብሩዎ ሓገዝ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ሰብ መዚ ኣሜሪካ ብግደኦም ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ መመሓየሺታት ንምግባር መንግስቲ ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ቆራፅነት ንኢዶም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲኦም ወገናት ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ከምዝተስማዕምዑ ተገሊጡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment