ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ቼክ ሪፐብሊክ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ቢዚነስ ኣብ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚ ቦሌ ለሚን ቂሊንጦን ዑደት ኣሳሊጦም።
እቲ ልኡኽ ኣብ ምግጥጣም መኪና፣ ምፍራይ ናውቲታት ሕክምና፣ ንግዲን ካልኦት ተዛመድትቲ ዓውዲታትን ንምውፋር ዝብህጉ ሰብ ሃፍቲን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘመን ጁነዲ፥ ኣብቶም ዞባታት ብዛዕባ ዝወሃቡ መተባብዒታት፣ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት፣ ብብርኪ ሃገር ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብዝበለፀ ንምስሓብ ኣብ ዝተገበሩ ተግባራት መመሓየሺ ሪፎርምታት ኢኮኖሚ መብርሂ ሂቦም።
ብምኽኒያት መመሓየሺ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዑል ባህጊ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ካብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም ይረአ ከምዘሎ ተዛሪቦም።