ልኡኽ ሚኒስትራት ኣፍሪካ ኣብ ወረዳ ኣደኣ ዘሎ ልምዓት ስርናይ ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ሚኒስትራትን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ኣደኣ ዘሎ ልምዓት ስርናይ ተዓዚቡ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ካብ ኒጀር፣ ታንዛኒያ፣ ዛምቢያን ኮትዲቯርን ምስ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ሚኒስትራት ግብርና፣ ሃፍቲ ልምዓት ዓሳ፣ ደኣንትን ካልኦት ትካላትን በምዃን ኣብቲ ልምዓት ዑደት ኣሳሊጦም።

ነቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘስርሑ ዘለዉን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

እቲ ጉጅለ ልኡክ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ምእታዊ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment