ልኡኽቶ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ፈፂሞም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣተገባብራ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽቶ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ነይሮም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ሓላፊ ዘፈር ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ምክትል ኮሚሽነር መላኩ ፈንታን ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋውን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምክልኻልን ምርመራን ገበን ብመሰረት ብምግባር ዝተሰርሑ ተግባራትን ኣብ ዝተኻየደ ኦፕሬሽንን ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝሓበሩዎ፥ ፖሊስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን መሰረት ብምግባር ኣወደድባ መፈፀሚ ብምፍጣር ኣባላቱ ነቲ ኣዋጅ ብዝግባእ ክፈልጡዎ ካብ ምግባር ጀሚሩ ህዝቢን ፖሊስን ኣተሓባበሪሩ ስርሑ እናሳለጠ ይርከብ።

ካብ ታራ ስርቂ ጀሚሩ ዜጋታት እናቐተለን እናሳቐየን ዝርከብ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ፥ ዕላምኡ ንምፍፃም ዝሕግዙዎ ጉጅለ ዕጡቓት ሸኔ፣ ቅማንትን ጉሙዝን ኣተሓባቢሩ ግብረ ራዕዱ ናብ ማእኸል ሃገር ንምስሓብን ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ንምግባር እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ተመሳሲሉ ብምእታው ፈተነ እናገበረ ይርከብ ዝበሉ እቶም ጄኔራል ኮሚሽነር፥ ምንቅስቓሱ ንምግታእ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀፅታ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስ ኦሮሚያ፣ ሪፐብሊካን ጋርድን ቤት ዕዮ ድሕንነትን ሓቢሮም እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ልኡኽቱኡ ንመፈፀሚ ዝኾኑ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ገንዘብ፣ መሰሓሓትቲ ሓበሬታታት፣ ዝተፈላለዩ ኣልባሳት መኽበሪ ፀፅታ እናስፈዩን እናሰናድኡን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኢሎም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ መፍለዩ ክዳን ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ፣ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር፣ ፖሊስ ፌዴራልን ቤት ህንፀትን ሓዊሱ ወታደራዊ መዓርጋት ብሓሶት እንተሰናድኡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምባሎም ትፕኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment