ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኽትኡ ኣፀቢቑ ዝተረደአን ካብ ውግንና ዝረሓቐን ጥንኩር ሰራዊት ምህናፅ ተኻኢሉ ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም፡፡
ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶን ኣብ ቀፃሊ ክውገኑ ብዛዕባ ዝግበኦም ኣንፈታት ስራሕን ጠሚቶም ካብ ክፍሊታት ሓይሊ ኣየር ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓ ሰራዊት ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣባላት ሰራዊት እቲ ትካል ልኡኽቶኦም ብብቕዓት እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም፡፡
እቶም ኣባላት ካብ ፖለቲካዊ ይኹ ሃይማኖታዊ ውግንና ናፃ ክዝኾኑ ብምርግጋፅ፤ እዚ ድማ ጠጠው ዝበሉሉ ዕላማ ኣፀቢቖም ካብ ምርዳእ ዝፍልፍል ሓደ መግለፂ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ከምዝኾነ ገሊፆም።
ጥንኩራት ጎኒታት ብምድንፋዕን ክፍተታት ትኹት ገይርካ ብምስራሕን ንጉዕዞ ለውጢ እቲ ትካል ከምዝሰርሑ እቶም ኣመራርሓ ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡