ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልምዲ ንምውሳድ ካብ ዝተፈላላያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፅኡ ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ መዋእለ ህፃናት ዑደት ገይሮም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ 597 መዋእለ ህፃናት ኣብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ ውልቀን ትካላት መንገስቲን ምህናፆም ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ ገሊፀን።
ነቶም ህፃናት፥ ሃናፂ ምግብታት፣ ክትትል ጥዕና፣ ትምህርቲ ብዋዛ ቁምነገር ምሃብ፣ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣዴታት ወዘተ ከምዝግበረሎም ተዛሪበን።
ብመሰረት እዚ ኣዲስ ኣበባ ህፃናት ኣብ ምዕባይ ብልፅቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ናይ ምግባር ስራሕ ኣፍልጦ ረኺቡ ንካልኦት ልምዲ ዝህበሉ ብርኪ ምርካቡ ታሕጓስ ከምዝስመዐን ሓቢረን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።