ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ብዘላቕነት ንምምራሕ ዘኽእል መሪሕ ትልሚ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ብዘላቕነት ንምምራሕ ዘኽእል መሪሕ ትልሚ ዕላዊ ኮይኑ።

ኮርፖሬሽን ልምዕታ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ፥ ምዕባለ ዘፈር ኢንዱስትሪ ንምዕዋትን ንምምራሕን ዘኽእል ሃገራዊ ፀብፃብ ረቂቕ ስፓሻል መፅናዕቲ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ተዳሊዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትመን ተረኺቦም።

ኣብቲ እዋን መደረ ዘስምዑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሳዶካን ደበበ፥ ንዝቕፅሉ 20 ዓመታት ዘላቒ ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዝመርሕ ስፐፓሻል መፅናዕቲ ከምዝተዳለወ ተዛሪቦም።

እቲ መፅናዕቲ ከም ሃገር ፈላማይ ከምዝኾነን ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ኩነታት መሬት ብምርኣይ ዝተዳለወ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዉ ርኪታት ኢንዱስትሪ ካብ ምምራሕ ሓሊፉ ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ካብ ምምስራቶም ጀሚሩ ምሕጋዝን ብምምራሕን ዓቢዪ ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ሕቶ መሰረተ ልምዓትን ፍትሓዊ ተረባሕነት ፓርኪታት ኢንዱስትሪን ንምምላስ፤ ኣበይ ከባቢ እንታይ ዓይነት ፓርክ ኢንዱስትሪ ክህነፅ ኣለዎ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ዘኽእል ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment