ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብፅሒቱ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብፅሒቱ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

5ይ ምዕራፍ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር በጀት ዓመት 2016፣ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2017ን ኣንፈት ትኹረት 6ይ ምዕራፍ እቲ ፕሮግራምን ዝጠመተ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር ውሕስና ምግቢ ዜጋታት ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብፅሒቱ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ፕሮግራም ኣብ ስራሕቲ ማሕበረሰብን ናብራ ስድራቤትን ኣብ ምምሕያሽ እናገበሮ ዝርከብ ኣበርክቶ ብምልዓል ነዚ ድማ ኣፍልጦ ከምዝሃቡ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ኣካቢ ለገስቲ ትካላት እቲ ፕሮግራም ፈርዲናንድ ቮን ወይህ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ኣብ 5ይ ምዕራፍ ዝተመዝገቡ ዘዕግቡ ውፅኢታት ብምብራህ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣብ 6ይ ምዕራፍ እውን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment