ሌሴቶ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ፈላማይ ሰብ ምርካባ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ኣፍሪካ ክሳብ ሕዚ ቫይረስ ኮሮና ዘይተመዝገበላ ብሕታዊት ሃገር ሌሴቶ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ፈላማይ ሰብ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ።

ሌሴቶ ሙሉእ ብሙሉእ ብደቡብ ኣፍሪካ ዝተኸበበት ሃገር እንትትከውን፥ ናብ ደቡብ ኣፍሪካን ስዑድ ዓረብን ተጓዒዞም ኣብ ዝነበሩ 81 ሰባት ብዝገበረቶ ምርመራ ላቦራቶሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከምተረኸበ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ገሊፁ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ተደጋጋሚ ምንቅስቓስ የሃሉ እምበር ኣብ ሌሴቶ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዘይምርኣዩ ሕቶ እናልዐለ ፀኒሑ ኢዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ሌሴቶ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ይርከቡ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ብዘንበረኦ ገደብ ምንቅስቓስ ጠረፈን ዓፂየን ኢየን።

ይኹን እምበር ኣድለይቲ ኣብ ዝበሃሉ ሰራሕተኛታት ምንቅስቓስ ንኽገብሩ ፍቓድ ተዋሂቡዎም ከምዝነበረ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሌሴቶ ምርኣዩ፥ ቀደሙ እውን እንተኾነ ዝሕቱል ስርዓት ጥዕና ዘለዋ ብምዃ ልዑል ፅዕንቶ ከስዕበላ ከምዝኽእል ተሰጊኡ ኣሎ።

ኣብ ጎረቤት ሃገር ሌሴቶ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪካ ክሳብ ሕዚ 11 ሺሕን 350 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 206 ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment