ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንግዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ 79 ኣባላት ዘካተተ ጉጅለ ልኡኻት ነግዲን ኢንቨስትመንትን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዘሳልጡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ፥ እቲ ዑደት ኢኮኖሚያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናይ ምጥንኻር ዕላማ ዘለዎ ዑደት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ምሸት ኣዲስ ኣበባ ዝኣትዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ሰለስተ መዓልታት ፃንሒቶም ስትራቴጂካዊ ረብሓ ዘለዎም መፍረይቲ ቦታታት ክርእዩ ኢዮም ዘብል ትፅቢት ኣሎ።
ብዝምልከቶም መዳርግቲ ኣብያተ ፅሕፈት ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ንግዲን መብርሂ ከምዝግበረሉ ኣብቲ ሚኒስቴርዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ጉጅለ፥ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ማዕድን፣ ቱሪዝም፣ መፍረይቲ ሓይሊ፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ካልኦት ቁልፊ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ዕድላት ንምግንዛብ ከምዝደሊ እቶም ኣቐባሊ ቃል ተዛሪቦም።