ላዕለዎት ኣምራርሓታት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣድሂቦም ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣምራርሓታት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣድሂቦም ይዛተዩ ኣለዉ።

እቲ ዘተ “ብዘላቒ ዓወት ናብ ምዕባለ ከምኡ እውን ክተታትን እርማትን ድሕረ ኲናት” ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ዘተኮረ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ መጀመሪ እቲ ዘተ መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ሚኒትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ኣይተ ተስፋየ በልጅጌ ከምዝገለፁዎ፥ ሃገር ካብ ዘንፀላለዋ ሓደጋ ብርብርብ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ክትወፅኦ ምኽኣላን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ብቐረባን ብዝተወደበን መልክዑ እናመርሐ ምፅሑ ኣዘኻኺሮም፡፡

ድሕሪ እቲ ኲናት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ውሽጣዊ ፀገማት ብፅንዓት ተቓሊስካ ንኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ምውሳድ ቀንዲ ትኹረት እቲ ዘተ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ኲናት ዘስዐቦ ቅልውላውን ዕንወትን ከቢድ የኹን እምበር ዝተረኸቡ ሰናይ ዕድላት ብግቡእ ምጥቃም ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያዊ ሓርበኝነት፣ ምጉልባት ህብረ-ብሄራዊ ሓድነት፣ መንፈስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ከም ብሓዱሽ ምቅስቃስ፣ ኢትዮያውያን ዳያስፖራታት ብሓድነት ጠጠው ዝበሉሉ ከምኡ እውን ሰራዊት ምክልኻል ንምጥንኻር ድሕሪ እቲ ኲናት ካብ ዝተረኸቡ ዕድላት ከምዝኾኑ እቶም ሚኒስትር ብብረሆም ካብ መርብ ሓበሬታ እቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment