ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኣዳማ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ትሩፋት ሌማት ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ሃገር ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝተትሓዘ ሸቶ ንምዕዋት ዝተጀመሩ ስራሕቲ መርአዪ ኢዮም ክብሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተውሃበ ዝርከብ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ይቕፅል ኣሎ።

እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ጎድና ጎድኒ እቲ ስልጠና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከባቢታት ከተማ ኣዳማ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም።

እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ÷ ፓርቲ ብልፅግና ብቤተሰብ ኢሉ እውን ብብርኪ ሃገር ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዘጀመሮ መርሃ ግብሪ ፍረ ምፍራይ ከምዝጀመረ ክዕዘቡ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም።

ትሩፋት ሌማት ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣልን ለውጢ ስርዓተ ምግቢ ንምምፃን ልዑል ግደ ከምዝፃወት ብምሕባር÷ እቲ ፓርቲ ነቲ መርሃ ግብሪ ፍሉይ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብብርኪ ሃገር ምዕባለ ቤተሰብ ንምርግጋፅ ንትሩፋት ሌማት ዝተውሃበ ጠመተ ዝበረታታዕ ውፅኢት እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተውሃበ ዝርከብ ስልጠና÷ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ኩነታት ብዝግባእ ብምርዳእ ንቐፃሊ ልኡኽተፖ ብቑዕ ኮይንካ ንምርካብ ዘኽእል ዓቕሚ እናፈጠረሎም ከምዝኾነ እቶም ኣመራርሓ ገሊፆም።

ብታሪኩ ለገሰ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment