ላዕለዎት ኣመራርሓ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴታት ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን፣ ጥዕናን ማሕበራዊ ልምዓትን፣ ባህሊን ስፖርትን ምስ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ኩለመዳይ ለውጢ፣ እዋናዊ ኩነታትን ተተሓሓዝቲ ዛዕባታትም ኣመልኪቶም ተመያይጦም፡፡

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይተ ታገሰ ጫፎ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩለመዳይ ዓውዲታት ብዙሓት ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብን እታ ሃገር እናጋጠማ ዝርከብ ፀገም ንምፍታሕ ኮሚሽን ምኽክር ብምጥያሽ እናሰተርሐ ከምዝኾነን ኣብሪሆም፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀገማት ብምይይጥ ንምፍታሕ ዘለዎ ድሌት ንደሓር ብምምባል ዝወፅአ ሕገ መንግስቲ ብምቅዋም ኲናት ከምዝጀመረ እውን ኣልዒሎም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ለውጢ ንብረት ኣየር ትኹረት ገይሩ ብምስራሕ በቢዓመት 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ክተክል ከምዝኸኣለ እቶም ኣፈ ጉባኤ ፀሪሖም፡፡

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ዶክተር ዲማ ነገዎ ብግደኦም÷ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ኣብ ዝኸፈቶ ኲናት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት እናፈፀመ ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ንህዝቢ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኲናት ከምዘውዐለን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀገማት ብልዝብ ንምፍታሕ ድሉው ከምዝኾነን ገሊፆም።

ብምኽንያት ኲናት 4 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ከምዝተመዛበሉን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ብድርቂን ውሕጅን ዝተጎድኡ ዜጋታት ስለዘለዉ÷ ሕብረት ኣውሮፓ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽገብር ተሓቲቱ፡፡

መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ደለይቲ ሰላም ከምዝኾኑ ዘሎ ሓቂ ንዓለም ንኸፍልጡ ነቶም ኣባላት ፓርላማ ፃውዒት ቀሪቡሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment