ላዕለዎት ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ሓዱሽ ህንፃ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ተረኺቦም ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፥ ላዕለዋይ ኤታማጆር ሹም ፌዴሪኢ ጄኔራል አደም መሃመድ፣ ምክትል ኤታማጆር ሹም ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ፣ ኣዘዝቲ ሓይሊታትን እዚታትን፣ ከምኡ እውን ጀነራል መኮንናትን ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ተረኺቦም።

ላዕለዋይ ኣዛዚ ኤታማጆር ሹም ፌዴሪኢ ጄኔራል አደም መሃመድ፥ መርሃ-ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ዓሸራ እዚ ዓመት ብዕሊ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ዓመት ብመላእ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር 5 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝትከሉን ክንክን ከምዝግበረሎምን እውን ገሊፆም።

ተኸላ ፈልሲ ዝተጀመረሉ ሓዱሽ ህንፃ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ፥ ዘበናዊን ህንፀቱ እንትዛዘም ድማ ንህዝቢ ክፍቲ ዝኾነ ሙዜምን ካልኦት ዝተፈላለዩ መሰል መውሃቢ ግልጋሎታትን ከምዝህልዉዎ ካብ ድረ-ገፅ ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment