ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተምሃሮአን የመርቓ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲታት ኣሶሳን መቅደላ ኣምባ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኑዎም ተምሃሮኦም ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቖም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣሶሳ ዶክተር ከማል ኣብዱራሂም፥ እቲ ዩኒቨርሲቲ 2 ሺሕን 182 ተምሃሮ ን7ይ ግዘ ከምዘመረቐ ብምግላፅ፤ ካብ ሞንጎ እቶም ተመረቕቲ 1 ሺሕን 636 ተምሃሮ ብስሩዕ መርሃ ግብሪ፣ 401 ተምሃሮ ቀዳምን ሰንበትን መርሃ ግብሪ፣ 145 ተምሃሮ ድማ ብድህረ ምረቓ ዘተመረቑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

33 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ካብቶም ተመረቕቲ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ዶክተር ከማል ገሊፆም፡፡

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ መቕደላ ኣምባ ኣብ ቀፅሪ ኢኮኖሚክስን ቢዝነስን መካነ ሰላም 144 ተምሃሩኡ ሎሚ መዓልቲ ዘመረቐ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 137 ደቂ ኣንስቲዮ ኢየን ተባሂሉ፡፡

እቲ ዩኒቨርሲቲ ትማሊ እውን ብተፈጥሮ ሳይንስን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲን ዘሰልጠኖም 480 ተምሃሮ ኣመሪቑ ኢዩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment