ላዕለዎት ሰብ መዚ ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ዝገብሩዎ ዑደት ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ኣፍልጦ ዝህብ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሰብ መዚ ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዑደት ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ኣፍልጦ ዝህብ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ሳምንታዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ፥ “ዑደት ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስትርን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ስሎቫኒያ ታኒያ ፋዬን ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒን፤ ኢትዮጵያ ምስ መሓዙታ ዘለዋ ርክብ ብቕልጡፍ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ትገብሮ ፃዕሪ ዘረጋገፀ ኢዩ” ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ዑደት ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላ ንምርግጋፅ ትገብሮ ፃዕሪ ኣፍልጦ ዝሃበ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዕድላት ቢዝነስ ዘፋልጡን ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ንኽመርፁን ንምግባር ዝዓለሙ ፎረማትን ኤክስፖታትን ከምዝተኻየደ ኣብሪሆም።

ጉጅለ ልኡኽ ማእኸል ዓለም ለኸ ታሪኽ ፀለምቲ፣ ሓድጊን ትምህርቲን  ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ እውን ገሊፆም።

እቲ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋና ቤት ፅሕፈት ምኽፋት ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብምድሃብ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምዝዛተ ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment