ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዑደት ይገብሩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራል ዘካተተ ልኡኽ ድጋፍን ክትትልን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ጋምቤላን ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ይገብሩ ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ÷ ብሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ደሴ እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት እናተዓዘበ ይርከብ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ብሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገ/መስቀል ጫላ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዞባ ኣኝዋ ወረዳ ኣቦቦ ተፋሰስ ልምዓት ንምጥንኻር ዘኽእል መርሃ ግብሪ ምልዕዓል ተኻይዱ።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ ክልል ልምዓት ሕርሻ ንምዝማንን መፍረያይነት ንምዕባይን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ብሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ድሬዳዋ ገፀር ወረዳታት ዑደት ስራሕ ኣካይዱ፡፡

ብከድር መሓመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment