ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ  ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፌዴራል ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ  ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፌዴራል ዑደት ኣካይዶም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘው ተሻገር፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ካልኦት ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ኣፈጉባኤታት፣ ሚኒስትራት ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣመራርሓታት ውድብ ብልፅግናን ኢዮም ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፌዴራል ዑደት ኣካይዶም፡፡

እቶም ሓለፍቲ ፅገና ህንፃ እቲ ትካል፣ ዘመናዊ ተሽከርከርቲ፣ ዳጂታል መራኸብቲ ራዲዮ፣  ካሜራታት ድሕንነትን ካልኦት መሳርሕታት ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ ፖሊስን ተዓዚቦም፡፡

17 መጋቢት 2014 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ትካል ዑደት ምክያዶም ዝዝከር ኮይኑ፤ ኣብቲ እዋን ፖሊስ ዘመናዊ ሰራዊት ንክኾን ዝተጀመረ ሪፎርም ተጠናኺሩ ንቕፅል መንግስቲ ኩለመዳያዊ ድጋፍ ከምዝገብርን ምርግጋፆም ይዝከር፡፡

ፖሊስ ከም መኽበሪ ሕጊ፣ ሕጊ ኣፀቢቑ ዝፈልጥ፣ ከም መርማሪ ገበን ክእለት ምርመራ ገበን ዘለዎ፣ መፅናዕቲ ስነ-ባህሪ ዘፅነዐ ከምኡ እውን ቢሄቪየራል ሳይኮሎጂን ኣፀቢቑ ዝፈልጥ ንክኾን ዝተጀመረ ሪፎርም ከምዝቕፅል ምግላፆም እውን ኣገልግሎት ኤና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment