ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ ዑደት ኣካይዶም።

ኣብቲ እዋን ዑደት ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ሚኒስትራትብ ተረኺቦም፡፡

ብብርኪ ኣፍሪካ ብዕቤቱ ሳልሳይ ደረጃ ዝኾነ ግድብ ኮይሻ ንፁህ መፈልፈሊ ሓይሊ ሓይሊ ዝርከበሉ ብርኪ ህንፀት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ተዓዚቦም፡፡

ኣብ ቀረባ ርሕቐት ብሄራዊ ፓርክ ጨበራ ጩርጩራ ዝርከብ ግድብ ኮይሻ ንኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓቕሚ ኢኮኖሚን ናይ ምልማዕ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ከይዲ ህንፀቱ ድማ ንብዙሓት ቀዋሚን ጊዜያዊን ዕድል ስራሕ እናፈጠረ ከምዝርከብ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment