ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ክልላት ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ዝገብሩዎ ዑደት ይቕፅል ኣሎ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ስራሕቲ መገዲ ኣስፓልት ኣዘዞ ጎንደር ዝርከበሉ ብርኪ ተመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ትሩፋት ሌማት ዝተዓዘቡ እንትኾኑ÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ምንቅስቓስ ስራሕቲ ፕሮጀክታት ፌደራል ይጉብንዩ ኣለዉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቂጤ ክፍለ ከተማ ጉብርዬ ስራሕቲ ልምዓት ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻ ከተማን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ከምዝጎብነዩ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እት ክልል የመላኽት፡፡
ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፤ እዚ ምብራቕ ዘሳለጦን እናወገኖም ዝርከቡ መሰረተ ልማዓታትን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ተመልኪተን።
ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሚኒሰቴር ፕላንን ልምዓትን ስራሕቲ ሱፐርቪዥን ድጋፍን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማታት ቂርቆስን ለሚ ኩራን ዘተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ጎብኒዮም፡፡
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ተመልኪቶም፡፡
ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ከፋ ስራሕቲ ልምዓት ከምኡ እውን ኣብ ወረዳታት ጊንቦን ኣዲዮን ዑደት ኣካይዶም፡፡
ብሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዞባ ኣኝዋሃ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቡ፡፡
ብምናለ ኣየነው