ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓታት ክልል ሶማሌ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓታት መንግስቲ ክልል ሶማሌ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ይዛተዩ ኣለዉ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገር ንምድሓን ኣብ ዝግበር ቃልሲ በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ እቲ ክልል ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ይግባእ።

ጎድና ጎድኒ ወፍሪ ህልውና ኣብቲ ክልል ዝዓሰለ ዘተኣማምን ሰላም ንኽጠናኸርን ዘጋጠመ ድርቂ ብቕልጡፍ ምላሽ ንመሃብን ካብ ኣመራርሓ ብዙሕ ትፅቢት ይግበር ዝበሉ እቶም ርእሰ መምሕዳር፥ ንህዝቢ ዝወሃብ ኣገልግሎት እውን እቲ ኣመራርሓ ከጠናኽር ከምዝግበኦ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣመራርሓ ናብ ታሕቲ ወሪዱ ምስ ህዝቢ ተዋዲዱ ብምስራሕ እናተኻየዱ ዝርከቡ ስራሕቲ ከጠናኽር ይግባእ ኢሎም።

እቲ ክልል ምስ ካልኦት ሃገራት ዝዋሰኖም ነዋሕቲ ዶባት ፀረ ሰላም ሓይሊታት ከየኣትዉ ቀጥርን ለይቲን እናሓለዉ ዝርከቡ ፍሉይ ሓይሊን ፀፅታን እቲ ክልል ብኣመራርሓታት ክሕገዝ ከምዝግባእ እውን ምትሕስሳቦም ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment