ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ካብ ሃገር ዝወፅኡን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተሓብኡን ብገበን ዝተረኸቡ ሃፍቲታት ንምላስ ከምዝተዳለወ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፤ 1 ታሕሳስ ፤2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ካብ ሃገር ዝወፅኡን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተሓብኡን ብገበን ዝተረኸቡ ሃፍቲታት ንምላስ ከምዝተዳለወ ገሊፁ።

እቲ ትካል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝሓበሮ፥ ብዋንኡ ብገበን ዝተረኸቡ ሃፍቲታት ንምምላስ ዘኽእል ስርዓት መቐበሊ ሓበሬታ እናዘርገሐ ይርከብ፡፡

እቲ እናተዘርገሐ ዝርከብ ስርዓት መቐበሊ ሓበሬታ፥ ብገበን ዝተረኸቡ ሃፍቲታት ኣፃሪዩ ንምምላስ ዘኽእል ኢዩ።

እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኢ-ሜይልን ናፃ ፃውዒት ስልኪን ንምቕባል ዘኽእሎ ኣሰራርሓ ምዝርግሑ እውን ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ድማ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብውልቀ ሰባት ዝተትሓዙ ሃፍቲ ህዝቢ ብዝእከብ ሓበሬታ ብገበን ዝተረኸቡ ሃፍቲታት ኣፃሪዩ ንምምላስ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment