ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ኬኒያ ጄኔራል ቻርለስ ካሃሪሪ ኣብ ትካላት ሰራዊት ምክልኻል ዑደት ኣሳሊጦም።
ኣብቲ ዑደት፥ ዩንቨርስቲ ምክልኻል ሃገር፣ ጋፋት አርማመንት ኢንጅነሪንግ ኢንዱስትሪ፣ ቢሾፍቱ ኣውቶሞቲቭ ኢንዱስትሪን ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
እቶም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም፥ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ነዊሕ ዓማውቲ ዘቑፀረ ታሪካዊ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዘለወን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያን ኬንያን ብዓውዲ ወታደራዊ ዲፕሎማሲ ጠንካራ ርክብ ዘለወን ሃገራት ኢየን ኢሎም።
ሰላምን ድሕንነትን ንምሕላው ግብረ ራዕድነት ኣብ ምክልኻል ብሓባር ይሰርሓ ከምዘለዋ አውን ተዛሪቦም።