ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሩዋንዳ ጄነራል ሙባረክ ሙጋጋ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ፡፡
ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ነቲ ልኡኽ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።
ጄኔራል ሙባረክ ሙጋጋን ልኡኾምን ኣብ ቤት ትምህርቲ በረራ ሓይሊ ኣየርን ማእኸል ፅገና ከቢድ ኣቪዬሽንን ተዘዋዊሮም ከምዝጎብነዩ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ንላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሩዋንዳ ህያብ ዘበርከቱ እንትኾኑ፤ ብተመሳሳሊ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሩዋንዳ ንሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ዝተፈላለዩ ህያብ ኣበርኪቶም።