ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራ ኣብ እኒ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ዘይሻራዊ ኣመሓዳሪ ንኽሽየም ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ኣብ እኒ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ዘይሻራዊ ኣመሓዳሪ ንኽሽየም ወሲኑ።

እቲ መጋባእያ ውሳነ ዘመሓላለፎ፥ ዓቃቢ ሕጊ ብገበን ዝተረኸበ ወይ እውን ሕጋዊ ኣምሲልካ ምጥቃምን ንግብረራዕዲ ብገዝንዘብ ምሕጋዝ ገበን ስለዝተጠርጠሩ ብሽሞም ዝተመዝገበ ተንቀሳቓሲ ዘይኮነ ንብረት ብዝብል ዝተመዝገበ መንበሪ ገዝኦም ይተኣገደለይ ብምባል ዘቕረቦ ስምዕታ ስዒቡ ኢዩ፡፡

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ስምዕትኡ ካብ ናይ ተኸሳሲ ገዛ ኽራይ ዝርከብ ኣታዊ ንልኡኽቶ ግብረ ራዕዲ እናወዓለ ከምዝኾነን ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረት ብዘይሻራዊ ወገን ንኽመሓዳርን ይገበር ብምባል ኣመልኪቱ፡፡

ተኻሰሲ እዚ ክኸውን ኣይግባእን ብምባል ዝተኻትዑ እንትኾኑ፥ ዓቃቢ ሕጊ እውን ምላሽ ሂቡ፡፡

ፀጋምን የማንን ክትዕ ዝመርመረ መጋባእያ ስምዕታ ተኸሳሲ ብምንፃግ እቲ ገዛ ብዘይሻራዊ ኣመሓዳሪ ንኽሽወመሉ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment