ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያ እስልምና ኣዲስ ኣበባ መበል 1 ሺሕን 443 በዓል ኢድ ኣልኣድሃ (ዓረፋ) ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ በዓል ዓረፋ በዓል ሰላም፣ ሓድነት፣ ምክእኣልን ፍቕሪን ንኽኸውን ተመኒዩ፡፡
ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልኣድሃ እንተኽብር ካብዘለዎ ነክዩ ንዘይብሎም ብምክፋል፥ ብሓባር ንኸኽብር ፃውዒት ቀሪቡ።
ፅባሕ ንጉሆ ብሶላት ዒድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኡሽተይ ስታዴም ከምዝኽበር ዝገለፀ እቲ ቤት ምኽሪ፥ ካብ ንጉሆሰዓት 12 ጀሚሩ ክሳብ 2፡30 ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ተሳሊጡ ከምዝዛዘም ኣፍሊጡ።
ህዝበ ሙስሊም ክረምቲ ምእታዉ ስዒቡ ሓምለዋይ ኣሰር ንኸዕርፍ ፃውዒት ቀሪቡ።
ብኣለምሰገድ ኣሳዬን ሃይማኖት ወንድይራድን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com