ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ክግበር ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ክግበር ፀዊዑ።

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሀጂ ኡመር ኢድሪስ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ኲናት ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ተቓላዕቲ እቲ ፀገም ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ካብ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባን ክልላትን ዝተውፃእፀአ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ እቶት ከምዝተጣየሸ ኣብሪሆም።

እቲ ኮሚቴ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብ ተግባር ከምዝኣቱ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሀጂ ኡመር ኢድሪስ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ሓገዝ ንኽገብሩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ብሰላም ንኽፍታሕ ዝገበሩዎ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ከምዘይተዓወተ ብምዝኽኻር፥ ንሃገር ዝጠቅም ሰላምን ሓድነትን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብዝተወለዐ ኲናት ካብ ከባቢኦም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ምድጋፍ ብምድሪን ሰማይን ዝተፈተወ ትግባር ስለዝኾነ፥ ህዝቢ ሙስሊም ትፅቢት ዝግበረሉ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ካልኦት ተኸተልቲ እምነት እውን ሰናይ ተግባር ዘምፀኦ ልዑል ዋጋ ብምግንዛብ ሓገዝ ንኽገብሩ እውን ፀዊዖም።

ዝግበር ሓገዝ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ስራሕ ባንኪ ኦሮሚያ፣ ባንኪ ኣዋሽ፣ ኦሮሚያ ኢንተርናሽናል ባንክን ባንኪ ኣቢሲኒያን ዝተኸፈቱ ቁፅሪ ኣካውንታት ኣታዊ ምግባር ከምዝከኣል ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

አሁን ላይ ድጋፉን በኦሮሚያ ህብረት ስራ ባንክ በተከፈተው የሂሳብ ቁጥር 1000091319997 ገቢ ማድረግ እንደሚቻል ገልጸው÷ በሌሎች ባንኮች የተከፈቱ የሂሳብ ቁጥሮች በቀጣይ ይፋ እንደሚደረጉ ተናግረዋል።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment