ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምርካቡ ምስጋና ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምርካቡ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ መበል 16 ስሩዕ ኣኼብኡ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሕጋዊ ኣፍልጦ ንመሃብ ዝቐረበ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅዲቑ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ሕጋዊ ሰውነት ዘውህቦ ኣዋጅ ክፅድቕ ምግባሩ ንዓመታት ናይ ብዙሓት ህዝቢ ሙስሊም ሕቶ ኮይኑ ዝፀንሐ መልሲ ንኽረክብ ዘኽኣለ ኢዩ ብምባል ብዙሓት ንኢዶምዎ።

ፕዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቐዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ ንመስጋና ኣብ ዝተሰናድአ መግለፂ፥ እቲ ሕቶ ንብዙሓት ዓማውቲ እናተጓተተ ዝፀንሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ካብ “ነመር መራሒ መጅሊስ ዝነበሩ ሓጅ መሓመድ ሳኒ ሓቢብ፣ ነዓይ ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ተቓሶምሉ ኢዮም፣ ክርስትያን ወገናትና እውን ተሳቲፎም ኢዮም” ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ እቲ ሕቶ ምላሽ ክረክብ ምኽኣሉን ናብዙይ ብምብቅዑን ድማ ንቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፣ ሚኒስቴር ሰላም፣ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዘፅደቖ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ትካላዊ ሓድነት ንምፍጣር ዝተጣየሹ ኩሎም 11 ኣባላት ኮሚቴን እውን ምስጋና ከምዝግበኦም ገሊፆም።

“መላእ ህዝበ ሙስሊሙ ዝውክሎ ሕጋዊ ሰውነት ብምርካቡ እንኳዕ ደስ በለካ ክብሎ ይደሊ” ኢሎም ተቐዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ።

እቲ ትካል ሕጋዊ ሰውነት ንኽህልዎ እናደኸሙ ንዝፀንሑ ኣካላት እውን ልዑል ኣቕሪቦምሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment