ላዕለዋይ በዓል መዚ ሃማስ ከምዝተቐተለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳሌህ ኣል ኣሮሪ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሃማስ ኣብ ቤይሩት ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር ከምዝተቐተለ ተገሊፁ፡፡

ኣል ኣሮሪ÷ መስራቲ ሓደ ወታደራዊ ክንፊ ሃማስን ምክትል መራሒ ፖለቲካ ቢሮ እቲ ጉጅለነ ከምዝነበረ ስካይ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ኣል ኣሮሪ ኣብ ዌስት ባንክ ንሃማስ ከምዘገልገለ ተሓቢሩ፡፡

ብሄራዊ ግልጋሎት ዜና መንግስቲ ሊባኖስ ከምዝገለፆ÷ በቲ ሓደጋ ምፍንጃር ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሓለፈን ብመጥቃዕቲ ድሮን ዘጋጠመን ኢዩ፡፡

ሃማስ ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሑኡ ንዝተፈፀመ ቅትለት ንእስራኤል ተሓታቲት ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment