ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ምፍራስ ኣድሒኑ ኢዩ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ምፍራስ ኣድሒኑ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብሽም ፋኖ ዝፅዋዕ ፅንፈኛ ጉጅለ ሕቶ ህዝቢ ኣምሓራ ጉልባብ ብምግባር ኢ-ሕገ መንግስታዊ ኣካይዳ ብምስዓብ ብሓይኒን ነፍጥን፣ ብረብሻን ናዕብን ብምሕጋዝ ፈለማ ክልል ኣምሓራ ቀፂሉ መንግስቲ ፌዴራል ብምፍራስ ናይ ባዕሉ እኩይ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ባህጊ ንምዕዋት ዓሊሙ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ጉጅለ ዝሓዞ ዕላማ ንምፍሻል ኣብቲ እዋን ስሩዕ ብዝኾነ ምኽባር ሕጊ ከምዘይከኣል ብምርግጋፁ መንግስቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምውፃእን ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምውዳብን ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ተዛሪቦም።

እቲ እዚ ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ብምውዳብን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃንን ናብ ተግባር ኣቲዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እቲ ክልል ናብ ንቡር ሰላም ንምምላስ ዝተገበሩ ፃዕሪታትን ናይ ኣመራርሓ መሊስካ ምውዳብን ንህዝቢ ግልፂ እናተገበሩ ከምዝመፅኡ ሓቢሮም።

ትማሊ ኣብ ዝተገበረ ገምጋም፥ ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ምፍራስ ከምዘድሓነ ምርግጋፁ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment