ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ልኡኽ ድሕንነት እስራኤል ኣብ ጉዳይ እስራኤል-ጋዛ ንምዝታይ ናብ ኳታር ዶሃ ኣቲዩ።
ኣቐባሊ ቃል ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ስምምዕነት ክብፃሕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምት ከምዘለዎም ኣብሪሆም፡፡
ኳታር፣ ግብፂን ኣሜሪካ ተመራፂ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፀኦም÷ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኲናት ጠጠው ንምባልን 98 ዝተዓገቱ እስራኤላውያን ክልቀቑ ምግባርን ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ፃዕሪ እናገበራ ይርከባ፡፡
ልኡኽ ማእኸላይ ምብራቕ ትራምፕ ዝኾኑ ስቲቭ ዊትኮፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኳታር ሼኽ መሓመድ ቢን ኣብዱራህማን ኣልታኒ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ድሕሪ ምርኸሸቦም ምስ ኔታንያሁ ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ፡፡
ሰብ መዚ እስራኤልን ፍልስጤምን ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃማስን ዝተኻየደ ድርድር ምምሕያሽ ከምዝተርኣየ ይግለፁ እምበር ዝርዝር መግለፂ ከምዘይሃቡ ግን ሬውተርስ ፀብፂቡ።