ላዕለዋይ ልኡኽ ውሕመ ኣብ ድርቂን ልምዓት ማሕበረሰብን ዘለዉ ፀገማት ንምዝታይ ናብ ጅግጅጋ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳይ ድርቂን ልምዓት ማሕበረሰብን ዘለዉ ፀገማት ንምዝታይ ናብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ኣትዩ።

ነቲ ልኡኽ ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስ ክልል ሶማሌ ኣይተ ኣብዱራህማን ኣሕመድ ሓሰንን ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልልን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ገራድ ዊልዋል ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ካትሪን ሶዚ ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ልምዓት ውሕመ (ዩኤንዲፒ) ኣብ ኢትዮጵያ ቱርሃን ሳሌህ ብምዃን ምስ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ዑመር ክራኸቡ ኢዮም፡፡

ዕላማ እቲ ዒደት እውን ኣብ ጉዳይ ኩነታት ድርቂን ልምዓት ማሕበረሰብን ዘለዉ ፀገማት ንምዝታይን ንምፍታሕን ከምዝኾነ ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment